ብርክት ዝበሉ ኣብያተ መግቢን መስተን ስቶክሆልም ብዛዕባ ሰብ ባር ብዛዕባ እቲ ዝተበየነ ሕጊ እገዳ ምትካኽን ኣብ ግላዊ ጸጥታ ሰባትን ኣጋይሽን ንዘስዕቦ ጽልዋን ጥርዓን ምብጽሖም ተገሊጹ። ገሊኦም ኣብ ባራት ስቶክሆልም ዝሰርሑ ሰባት ብሰንኪ እዚ ሕጊ ምስ ኣትከኽቲ ዓማዊል ኣብ ግርጭት ይኣትዉ ምህላዎም ከኣ ተመልኪቱ’ሎ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣትከኽቲ ደገ ከትክኽ ወጺኦም እንክመላለሱ ኣድካሚ ባይ ተፍቲሽ መስርሕ ክሓልፉ ስለዝግበር እዩ። ሰብ ባራት እዚ ሕጊ ብግቡእ ከይተጸንዐ እዩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ተጌሩ ብምባል ኣማሪሮም ኣለዉ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ኣብ ምእንጋድ ዓማዊል ኣተኲሮኦም ኣብ ምቊጽጻር ሕጊ ክጥለፍ ይግበር ምህላዉ ኸኣ ተሓቢሩ’ሎ።