ትማል ሰሉስ፡ ንወተሃደራዊ መንግስቲ ጫድ ብምቅዋም፡ ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር ገሊጾም ኣለዉ። “ኣብ እንጃሜና ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ፥ ሓደ ካብዚኣቶም ብሰልፈኛ እተቐትለ እዩ” ክብል ዋና ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር፡ ዩሱፍ ቶም፡ ን ኣጃንዝ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ። ካልእ ተቓዋማይ ድማ ኣብ ከተማ ሙንዱ ከም እተቐትለ ተገሊጹ።
ብኻልእ ወገን፡ ብውሕዱ 12 ወተሃደራት ጫድ፡ ኣብ ጥቓ ቀላይ ጫድ፡ ብእስላማውያን ከም እተቐትሉ ሰብ መዚ ገሊጾም። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ብሰኑይ ንግሆ፡ ኣብ ከባቢ ካያ፡ ኣብ ዝተገብረ መጥቃዕቲ፡ 40 ካብ ጉጅለ እስላማውያን፡ ምቕታሎም፡ ኣመሓዳሪ ፋዱል ማካዬ፡ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
እዚ ከባቢ ብፍላይ ንከም ቦኮ ሓራምን ዳዕሽ ጨንፈር ምዕራብ ኣፍሪቃን፡ መዋፈሪኦም ከም ዝኾነ ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ሓቢሩ።