ወተሃደራዊ መራሒ ምያንማር፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ጎነጻዊ ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምክያዱ፡ ንፈለማ እዋን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘመሓላለፎ ቃለመሕትት፡ ሳን ሱቺ፡ ኣብ ደሓን ጥዕናዊ ኩነታት ምህላዋ ገሊጹ’ሎ።
እዚ ሚን ኦንግ ህላዪን፡ ዝስሙ ወተሃደራዊ መራሒ፡ ሳን ሱቺ፡ ኣብ ዝቕጽላ ክልተ መዓልታት ናብ ቤት ፍርዲ ክትቀርብ ምዃና እውን ገሊጹ’ሎ። ንሳ እዚ ዕልዋ ካብ ዝካየድ ንደሓር፡ ዳርጋ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ናይ ቤት ማሕዩር ከም ዘላ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እቲ ወተሃደራዊ መራሒ፡ ኣብ 2020 ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ፡ ዓሎቕ ከም ዝነበሮን ዕልዋ ከካይድ ዝደረኾ ቀንዲ ምኽንያት እዚ ምዃኑን እዩ ዝገልጽ። ኣብቲ ሽዑ ዝትኻየደ ምርጫ፡ መራሒት ሰልፊ ሃገራዊ ሊግ ዴሞክራሲ ዝኾነት፡ ሳን ሲቺ፡ ከም እተዓወተት እዩ ዝግለጽ። ብሰንኪ እዚ፡ ኣብ ወርሓ ለካቲት፡ እተኻየደ ዕልዋ፡ ኣብዛ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያዊት ሃገር፡ ዓቢ ዕግርግር ተኸሲቱ ምህላዉ ይፍለጥ።
ዛጊት 4000 ሰባት በቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ተኣሲሮም፡ 800 ድማ ተቐቲሎም ኣለዉ ክብል መርማሪ ጒጅለ Assistance Association For Political Prisoners (AAPP) ይገልጽ።