ዝሓለፈት ወርሒ ሓምለ: ዝወዓየት ወርሒ ተባሂላ ከም እተመዝገበት: ፈደራላዊ ኤጀንሲ ሳየንስን ሬጉላቶሪን ኣመሪካ ኣረጋጊጹ።
ድምር ሙቐት መሬትን ውቅያኖስን ናብ 0.93C(1.68F) ምብጽሑ እዚ ድማ ድሕሪ 142 ዓመታት እቲ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ምዃኑን እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ኲነታት ኣሻቓሊ ምዃኑ National Oceanic and Atmospheric Administration ሓቢሩ’ሎ።
ምኽንያት እዚ መጠን ሙቐት: ምቕያር ክሊማ ዓለምና እዩ ተባሂሉ’ሎ።