ኣብ ከተማ ካልማር፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺምካ ተባሂሉ ብጌጋ ተኸሲሱ ዝነበረ ወደ 30 ዓመት ዝኾነ ሰብኣይ፡ ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ማእሰርቲ፡ ብቤት ፍርዲ’ታ ከተማ፡ ነጻ ምዃኑ ተሓቢሩ።
እቲ ሓቀኛ ፈጻሚ ናይቲ ገበን፡ ኣቐድም ኣቢሉ ብፖሊስ ተታሒዙ ከምዝነበረ’ኳ እንተተፈልጠ፡ ፖሊስ፡ ነቲ ጉዳይ ክምዝግብ እንከሎ፡ በቲ ኣብ ኢድ’ቲ ገበነኛ ዝነበረት፡ ኣቐድም ኣቢላ ካብቲ ወዲ 30 ዓመት ሰብኣይ ዝጠፍአት ወረቐት መንነት፡ ከምዝጸሓፎ ድሒሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ክብል መርበብ ሓበሬታ ሽወደን ነቲ ጋዜጣ ዳግኒዝ ኒሄተር ዝዘርገሖ ምርኩስ ብምግባር ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ወረቐት መንነት ዘሎ ስእሊ፡ ምስቲ ገበነኛ ዝመሳሰል እኳ እንተዘይኮነ፡ ፖሊስ፡ ዝግባእ ምጽራይ ከይገበረ ምምዝጋቡን ናብ ዝተፈላላዩ መንግስታውያን ትካላት፡ ስሙን ቁጽሪ ማሕበራዊ ውሕስነቱን (ፖርሾን ኑመር) ከምዝለኣኸ ተፈሊጡ።
እቲ ወዲ 30 ዓመት ሰብኣይ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ወረቐት መንነቱ ኣብ ከተማ ካልማር ዘጥፈአ ኮይኑ፡ ብዛዕብኡ ግን ንፖሊስ ከምዘይ ሓበረ ይፍለጥ።
ብሰንኪ ብፖሊስ ዝተገብረ ናይ ስራሕ ሸለልትነት፡ ዝሰዓበ ፍጻሜታት ምርኩስ ብምግባር፡ እቲ ወዲ 30 ዓመት፡ ካብ ፖሊስ ካሕሳ ሓቲቱ እኳ እንተሃለወ፡ ፖሊስ ብወገኖም፡ ብሰንኪ ወረቐት መንነቱ ከምዝጠፈአት ዘይምሕባሩ፡ እዚ ጌጋ ክፍጠር ከምተኻእለ ገሊጹ።