ናብ ስም ኣልቦ ናይ ሓገዝ መሐተቲ ማእከላት ዝድውሉ፡ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተን ዕጸፋርስን ዘለዎም ሰባት፡ ቊጽሮም እናወሰኽ ክመጽእ ምጽንሑ ተገሊጹ። ምስ ዓሚ ብምውድዳር፡ ኣብ መጀመርታ መፋርቕ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ጥራይ፡ ናብ መሕተቲ ሓገዝ “ድሮግህያፐን” ዝግበሩ ጻውዒታት ብ 27% ምውሳኾም፡ ኣብቲ ትካል እትሰርሕ ኣን-ሶፊ ገሊጻ። ዝበዝሑ ናብዚ ማእከል ጻውዒት ዝገብሩ ዓማዊል፡ ፈለምቲ ጸዋዕቲ ምዃኖም ዝገለጸት ሶፊ፡ ብዛዕባ ኲነታቶም ንማንም ካልእ ሰብ ነጊሮም ዘይፈልጡ ምዃኖም ወሲኻ ኣመልኪታ።