ወልፊ ኢንተርነት ኣብዚ ግዜዚ ብጣዕሚ ኣብ መንእሰያት ጎሊሑ ይርኤሎ።ወልፊ ኢንተርነት ቡዙሕ ክፋላት ኣለዎ ንምጥቃሶም ድማ ወልፊ ገይም(gaming) :ወልፊ ማሕበራዊ ርክባት(social media):ወልፊ ምጽሕሓፍ(chat):ወልፊ ምርኣይ ብዕሉግ ቪድዮታት (pornography) ከምኡውን ቁማር ክጥቀስ ይከኣል።ኣብዚ እዋንዚ ዳርጋ ኩሉ ተጠቃሚ ኢንተርነት ኮይኑሎ።ነኣሽቱ ቆልዑት ዝፈልጥዎ የብሎምን እንተኾነ ንትምህርቲ ዕላማ ኢንተርነት ይጥቀሙ።ኣብዚ ግዜዚ ቆልዑት ታብሌት(tablet)/ኣይፖድ(iPod) ይወሃቦም ወይ ይግዝኦም ኢንተርነትውን ይጥቀሙ።ኢንተርነት፥ታብሌት ከምኡውን ካልኦት እዋናዊ ተክኖሎጂ ነዚ ወለዶዚ ኣካል መዓልታዊ ሂወቱ ወይ መነባብርኡ ኮይኑሎ።ስለዚ መዓስ ኢና ዛዕባ ወልፊ ኢንተርነት እንዛረብ? እንሓንሳብ ንኽንፈልጦ ኣጸጋሚ እዩ።
ዓይነታት ወልፊ ኢንተርነት
ወልፊ ገይም :ብቀትታ(online) መስመር እንጻወቶ ገይም ኣዝዩ ወልፊ ከሕድረልና ይኽእል።ድሕሪ ኩሉ እዚ ገይምዚ ነቲ ተጠቃሚ ብቀጻሊ ከምዝጥቀምን ከምዝግደስን ሽልማት ክረክብ ዘኽእሎን ጌሮም ኣማዕቢሎሞ ከምኡውን እቲ ናይ ጸወታ መሳልል እንዳሓየለ ይኸይድ ካብቶም ካልኦት መጻውትኻ ዝሓሸ ውጽኢት ንምርካብን ሓይልካ ወይ ጸብለል ኢልካ ክትርኤ ትጽዕር ።ልዑል ቁጽሪ(score) እንተረኺብካ ናብ ዝለዓለ ሓድሽን ዘሕጉስን ደረጃ ትሰጋገር።ገይም ከም ክላሽ(clash) ወይ ክላን(clan)/ዋው(waw) ወዘተ ዝኣመሰሉ ብቀጻሊ እንተዘይተጻዊትካ ንድሕሪት ትተርፍ ።ገሊኦም ጸወታታት ድማ ሓበረታ ናብ ተሌፎንካ ወይ ታብሌትካ ዝሰዱልካ እንተኾይኖም ኣተኩሮ ኽግበረሎም ይግባእ።ወልፊ ገይም ቀስ ብቀስ ዝምዕብል ወልፊዩ።ሓደ ሰብ ምስ ኮምፕዩተር ፡ታብለት ወይ ተሌፎን ሙሉእ መዓልቲ ወይውን ለይቲ ኮፍ ኢሉ ዝጥቀም እንተኾይኑ ወልፊ ኣዝዩ እንዳማዕበለ ይኸይድ።ዘይከም ካልኦት ዓይነታት ወልፊ እዚ ወልፊዚ ናይ ስነኣእምሮኣዊ ወልፊዩ።
ወልፊ ምጽሕሓፍ
ኣብ መስመር ዘየቋርጽ ርክባት ምስ ሰባት መታን ዝኾነ ሓበረታ ንኸይሓልፈካን ርክባትካ ወይወን ማሕበራዊ ሂወትካ ክብ ከተብሎን ምስጋናን ኣድናቆትን ትረክብ።ኣብ መስመር ምጽሕሓፍ(online chatting) እቲ ዝተሓተ ዓይነት መራኸቢዩ ።ኣብ ሓደ እዋን ድማ ምስ ቡዙሓት ክትጸሓሓፍ ትኽእል።ቆልዑት ካብ 12-15 ዓመት ዝዕድሚኦም ብብዝሒ ይጽሓሓፉ እንተኾነ ግን ዓበይቲ ሰባትውን ናይ ምጽሕሓፍ ርክባት ዝምባሌ ከሕድሩ ይኽእሉ ንኣብነት ሓዳሮም ወይውን ምስ መጻምዶም ዘለዎም ርክብ ሕማቅ ምስዝኸውን ናይ መስመር ምጽሕሓፍ(online chatting) ምስ ካልኦት ሰባት ዝሓሸ ኣማራጺ ኮይኑ ይረኽብዎ።ወልፊ ምጽሕሓፍ ቡዙሕ ምልክት ኣይህብንዩ ወይውን ስድራበታት ንቡር ኮይኑ ይስምዖም ምናልባትወን ወዶም ወይ ጓሎም ቡዙሕ ርክባት ምግባሮም ከም ኣወንታ ጌሮም ይርእይዎ።እንተኾነውን ኣብ ዝኾነ ግዜን ቦታን ብተሌፎን ክትጸሓሓፍ ስለዝከኣል ክትርእዮም ወይ ክትቆጻጸሮም ኣይከኣልን።መስመር ኣብዘይብሉ አዋን እንገብሮ ምጽሕሓፍ (offline)ክጎድል እንከሎ ብቀትታ መስመር እንገብሮ ርክባት ይዓቢ እዚ ድማ ወልፊ ከሕድረልና ይኽእል።
ወልፊ ማሕበራዊ ርክባት(social media)
ወልፊ ገጽ መጽሓፍ(facebook),ትዊተር(twitter) ካልኦትን ዝኣመሰሉ ቡዙሕ ምትእስሳር ምስ ወልፊ ምጽሕሓፍ ኣለዎም።በዚ ዝተወለፉ ሰባት ካልኦት ዝሰርሕዎ ዜና፡መስሓቅን ፡ወዘተ ስርሓቶም ክትፈልጠሎም ከም ፈቴዮ ( like)፡ግብረመልሲ ወይ ርኢቶ ምሃብ ዝኣመሰሉ በዚ ንዝተወለፉ ሰባት ዓቢ ነገር እዩ።ፌይስ ቡክ(facebook)ን ካልኦት መራኸቢታትን ከም ካልእ ምንጪ ዜና ስለዝርእይዎም ብማሕበራዊ ርክባት(sociaal media) ከምዝተወለፉ/ፋ ኣይርእይዎን/ኦን ።እዚ ርክባትዚ ማሕበራዊዩ ነገር ግን እንተድኣ መስመር ኣብዘይቡሉ(offline) ርክባት ምስዝጎድል ከምኡውን ብዘይ ግብረመልሲ(ርኢቶ)፡ፈቴዮ(like) ወይውን መስመር ኣብዘይብሉ ፈይስ ቡክ ምስዘይነቋርጽ ሓደገኛ ሕቡእ ወልፊ ክሓድረና ይኽእል።
ወልፊ ቡዕሉግ ቭድዮ ምርኣይ
እዚ ወልፊዚ ፍሉጥ ዓይነት ወልፊ ኢንተርነት እዩ።ናይ ብዕሉግ ቪድዮታት ብሰፊሑን ብቀሊሉን ኣብ ኢንተርነት ይርከብ ።ብመጀመርያ ብዘይፍላጥ እንረኽቦም እኳ እንተኾኑ ድሓር ግን ወልፊ ከሕዱሩልና ይኽእሉ። ወልፊ ናይ ብዕሉግ ቪድዮ ምርኣይ ንገለ ሰባት እቲ ሓቀኛ ትጽቢትን ድሌታትን ስምዒታትን ፍጹም ክጥምዝዞ ይኽእል።እቲ ሓቀኛ ድሌታት ካብ መስመርና ብምውጻእ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከኸትል ይኽእል።ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ምልክታትን ስምዒታትን ወልፊ ኢንተርነትን ከምኡውን ከመይ ጌርና ሓገዝ ንረክብ ዝብል ሒዝናልኩም ክንመጽእ ኢና።
ምንጪ: Eritreeërs Gezond