ካብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ [ዋይት ሃውስ] ዝወጽአ መረዳእታ፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ከሚካላዊ ወይድማ ባዮሎጂካል ኣጽዋር ክትጥቀም ትህቅን ከምዘላን ብትኹረት ክትትል ይግበረሉ ከምዘሎን የመልክት።
ፕሬስ ሴክሬታሪ ጄን ሳኪ፡ ‘ኣመሪካ ኣብ ዩክረይን ባዮሎጂካል ኣጽዋር ዝፈርየሉን ቤተ ፈተነን ማእከል ሃኒጻ’ ዝብል ካብ ሩስያ ዝተፈነወ ክሲ ድማ፡ ‘መመኽነይታ እዩ ነይሩ’ ትብል።
እዚ ‘ናይ ሕሶት ክሲ’፡ ከሚካላዊ መጥቃዕቲ ንምፍናው ዝዓለመ ጉልባብ እዩ ክትብል ወሲኻ ከሲሳ።
ካልኦት ሰብ ስልጣን ምዕራባውያን’ውን ተመሳሳሊ ስግኣታት ከምዘለዎም እናገለጹ ይርከቡ።