መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳታት ንምንባር ይሸባሸቡ ከም ዘለዉ ኣመሪካ ኣፍሊጣ።
ፕሬስ ሴክሬታሪ ዋይት ሃውስ ጄን ሳኪ፡ እቶም ሓደሽቲ ማዕቀባት ኣብ ልዕሊ ገንዘባዊ ትካላትን ብመንግስቲ ሩስያ ዝውነኑ ትካላትን ከምኡ’ውን ውሑዳት ሰብመዝን ፖለቲካዊ ተሳትፎን ዘለዎም ሰብሃብትን [ኦሊጋሪክስ] ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ገሊጻ።
እዚ ስጉምቲ “ንወራር ፑቲን ብድሕሪት ኮይኖም ብገንዘብ ዝድግፍዎ ዘለዉ ኣካላት ተሓተትቲ ክገብር እዩ” ኢላ።
ብፍላይ ቡቻ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ዝተፈጸመ ግፍዒ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳታት ክንበር ዝቐርቡ ጻውዒታት ከም ዝወሰኹ’ውን ተዛሪባ።
ከንቲባ ቡቻ ኣናቶሊ ፌዶሩክ ብውሕዱ 320 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ንቢቢሲ ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ኣብ ቡቻ ዝተረኽበ ጋህሲ [ናይ ሓባር መቓብር] ድማ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዓብዪ ቁጥዐ ፈጢሩ ኣሎ።
ፕሬስ ሴክሬታሪ ሳኪ፡ ኣብቲ ትማሊ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “እቲ ናይ ሕዚ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሩስያ ኢነቨስት ዝገበረትሎም ዝግበር ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከቢድ ቁጠባውን ዓቕምን ሃሰያ ከበጽሕ እዩ” ኢላ።
ዎል ስትሪት ጆርናል ድማ፡ እቲ ማዕቀብ ንኣዝዩ ገዚፍ ባንኪ ሩስያ ዝኾነ ስበር ባንክ ዘካተተ ክኸውን ከም ዝኽእል ጸብጺቡ ኣሎ።
Källa BBC TIGRINJA