källa BBC TIFRINJA
ኣብቲ እሙን ስእልታትን ቪድዮታትን እትርአ መርከብ፡ ምስ ቅርጺን ዲዛይንን ናይታ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትውንጭፍ እትኽእል ሞስክቫ ዝመሳሰል እዩ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓንቲ ፍልጥቲ መርከብ ውግእ ሩስያ ብዝወረዳ ዕንወት ኣብ ጸሊም ባሕሪ (‘ብላክ ሲ’) ምጥሓላ ይዝከር።
እታ ምዕቡል ሚሳይላት ዝዓጠቐት ሞስክቫ ብባርዕ ተሰንያ እናጠሓለት ዘርኢ ደረቕን ተንቀሳቓሲን ስእልታት፡ ድሕሪ መዓልታት ኣብ መርበባት ኢንተርነት ክርአ ጀሚሩ’ሎ።
ኣብቲ እሙን ስእልታትን ቪድዮታትን እትርአ መርከብ፡ ምስ ቅርጺን ዲዛይንን ናይታ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትውንጭፍ እትኽእል ሞስክቫ ዝመሳሰል እዩ።
ሩስያ ከም ዝበለቶ፡ ጠንቂ ምጥሓል ናይታ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ መራኽብ ውግእ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ዝኮነት ሞስክቫ፡ ባርዕ ሓዊ ምስ ኣጋጠማ፡ ምስኣ ዝነበረ ተተኮስቲ ምፍንጃሩ’ዩ።
ሰብ መዚ ሩስያ፡ እታ መርከብ ድሕሪ’ቲ ዘጋጠማ ኩነታት፡ ድማ ናብ ውሑስ ወደብ ተሳሒባ እናኸደት ብሰንኪ ሓያል ማዕበል ክትጥሕል ኪኢላ ይብሉ።
ዩክረይን ግን ብሚሳይላት ሃሪማ ከም ዘጥሓለታ’ያ ትምጉት።