ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዩክረይን ዝርከብ ህዝቢ፡ ሩስያ ኣብቲ ከባቢ ከተካይዶ ዝጸንሐት ወተሃደራዊ ስርሒታት ከተሐይሎ ምዃና ንጹር ኮይኑ’ሎ። ዋላ፡ ነቶም ኣብ ጎደናታት ዘለዉ ኣኻልብ’ውን ርዱእ’ዩ ዝመስል፡ ካብ ርሑቕ ድምጺ ከቢድ ብረት ክስማዕ ከሎ ከይተረፈ ክነብሑ ይስምዑ።
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ድሮ ካብቲ ዞባ ናብቲ ብተዛማዲ ዝሃድአ ምዕራባዊ ክፋል ዩክረይን ሃዲሙ’ሎ። ሕጂ’ውን ነዊሕ ወተሃደራዊ ቃፍላይ ሩስያ ኣብ ሳተላይት ተራእዩ ኣሎ- ናብቲ ዞባ እናምርሐ።
ዩክረይን’ውን ብወገና፡ ድሩዓት መካይንንን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጸረ-ነፍርቲን ዝርከቦ ተወሳኺ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ናብቲ ከባቢ ኣንቀሳቒሳ’ላ። ክንድቲ ናይ ሩስያ ዝኸውን ግን ኣይኮነን።
ምናልባት ናይ ዩክረይን ምንቅስቓስ ስልታዊ ረብሓታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይኽእል ወይ’ውን እቲ ዝድለ ቀረብ ዘይምህላዉ ዘንቀሎ ክኸውን ይኽእል። ክልቲኡ ምኽንያታት ኣብ ሓደ ህሞት ክኸውን’ውን ተኽእሎ ኣሎ።
Källa BBC TIGRINJA