ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብዛዕባ ኲናት ኢትዮጵያ ንምዝታይ ናብ ኬንያ ክኣቱ እዩ። “ንግዳዊ በረራ ከይተቛረጸ ዜጋታት ኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ካብታ ሃገር ክወጹ መተሓሳሰቢ ተመሓላሊፉ’ሎ። እዚ መጠንቀቕታ ዝወሃብ ዘሎ ሰራዊት ትግራይ ግስጋሰኡ ብምቕጻል ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር–ኣዲስ ኣበባ መጥቃዕቲ ከም ዘካይድ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን እዩ። እዚ ካብ ዝጅመር ዓመት ዝመልኦን ገዚፍ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝፈጠረን ኲናት ኣብዚ ግዜዚ ዓብዪ ዓለም ለኻዊ ኣቓልቦ ይስሕብ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዝካየድ ዘሎ ኲናትን መንግስቲ ፌደራል ኮነ ኢሉ ብዝፈጸሞ ዕግታን ኣብ ትግራይ 400 ሽሕ ሰባት ሓደጋ ጥሜት ከም ዘንጸላለዎን 80% ዘድሊ ቀረብ ሕክምና ከም እተቛረጸን ትካላት ረዳኢት ክገልጻ ጸኒሐን ኣለዋ። ብዘይካዚ ክልቲኣቶም ወገናት ኣብ ጃምላዊ ቅትለት፥ ጾታዊ ዓመጽን ከም እተሳተፉ ክኽሰሱ ጸኒሖም ኣለዉ። ብዘይካዚ 110 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ቀንዲ መሻርኽቲ ምዕራብን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምንባራ ተነተንቲ ይገልጹ። እዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናብ ሰፊሕ ውግእ ሕድሕድ ብሄራት ከይዓርግ፥ እቲ ድሮ’ውን ማእከል ግርጭት ዝኾነ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝፈደደ ዘይምርግጋእ ከይኣቱን ኣመሪካን ኣውሮጳን ብዓብዪ ስግኣት ነቲ ኲነታት ከም ዝከታተላኦ እቲ ዜና ወሲኹ ኣረዲኡ።