ሽወደን ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ምስ ጐረባብታ ዘለዋ ዶባት ምዕጻዋ ንቀረብ መግቢ ዘውርደሉ ሃስያ ከምዘየለ ተገሊጹ። “ሰባት መግቢ ክሃልኽ እዩ ዝብል ሻቕላ ክህሉ የብሎምን፥ እቲ ዘሎ ብድሆ ብምኽንያት ብዝሒ ጠለብ ንዂሉ እስካፋለ ሱፐርማርኬት ብኸመይ ትመልኦ ዝብል እዩ” ክብል ጋዜጠኛ ኣክስፉድ ማግኑስ ተርንብሉም ገሊጹ።
ከም ኣካል ናይቲ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝገብራኦ ዘለዋ ምዕጻው ዶባት ሽወደን እውን ምስ ኖርዌይን ዴንማርክን ዘለዋ ዶባት ምዕጻዋ ዝዝከር እዩ። “ከም ኣክስፉድን ሄምኮፕን ዝበላ ኣቕረብቲ መግቢ ኣብ መስርሕ ዕደላ ዝኾነ ሽግራት ከጋጥመን ኣይንደልን ኢና። ብዘይካዚ ቀረብ መግቢ ውሑስ ንምግባር ምስ ናይ ወጻኢ ኣቕረብቲ ኣብ ምዝታይ ኣሎና” ክብል ተርንብሉም ኣብሪሁ’ሎ።