ኮንፈደሬሽን ማሕበራት ንግዲ ነቲ ሕግታት ሽቕለት ኣልቦነት ክቕይር ብምባል ዝቐረበ እማመ መንግስቲ፡ ብትሪ ነቒፉ ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ገሊጹ።
“እዚ እማመ ነቶም ልዑል ኣታዊን ቀዋሚ ስራሕ ዘለዎምን ዘገልግል እዩ” ክትብል ፕረሲደንት እቲ ማሕበር ሱዛና ጊደዮንሶን ሓቢራ’ላ።
መርመራ መንግስቲ ሓድሽ ሕግታት ካሕሳ፡ ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ድማ ነዊሕ መዓልታት ካሕሳ ክተኣታቶ እማመ ምቕራቡ ዝፍለጥ ኮይኑ እዚ ካሕሳ ኣብ ኣታዊ እምበር ኣብ ሰዓታት ስራሕ ከም ዘይምርኰስ የመልክት።
ንጉዳይ እማመ ሒዛ ዘላ ማርያ ሄሚንሶን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እዞም ለውጢታት ንዝቕጽል ዓመታት ከም ቀንዲ እምነ መሰረት ኮይኖም ክገልግሉ እዮም ክትብል ገሊጻ። እዚ ወጻኢታት መንግስቲ ንምንካይ ተባሂሉ ብፖለቲከኛታት ዝተገብረ ኣሰራርሓ ምዃኑ ድማ ኣመልኪታ።
እዚ ምስ ወድዓዊ ቁጠባዊ ኩነታትን ድሌታት ፖከቲከኛታትን ከም ዝሰማማዕ ኮይኑ እተነድፈ ኣሰራርሓ ኮይኑ ሓደ ሰብ ካሕሳ ንኽሕሰበሉ ኣታዊኡ ካብ 120 ሽሕ ክሮና ዘይውሕድ ክኸውን ኣታዊ ኣርባዕተ ካብዘን ኣዋርሕ ድማ ካብ 10 ሽሕ ክሮና ዘይውሕድ ክኸውን ኣለዎ ተባሂሉ። እዚ ካሕሳ ኣብ ኣታዊ ጥራይ ዘይኮነ ብዘይስራሕ ዝጸንሓሉ ዘመን ኣብ ግምት ዘእቱ እዩ ክኸውን።
እዚ ካሕሳ ድሕሪ 100 መዓልታት ብ 10% ምጒዳል ክግበረሉ እዩ ድማ ተባሂሉ። ብፍላይ እቶም ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ብርትዕ ዝበለ ሱር ዝጸንሖም ክሳብ 300 መዓልታት ናይ ካሕሳ ግዜ ክወሃቦም እዩ። ዘይርጉእ ናይ ሽቕለት ታሪኽ ዝነበሮም ድማ ከከም ኲነታቱ ክሳብ 100 መዓልቲ ክካሓሱ እዮም።
እዚ እማመ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝኽእለሉ ድማ ኣብ 2023 ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።