ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ጃልባ ብምግምጣላ ብውሑዱ 60 ሰባት ምሟቶም ንሰብመዚ እታ ሃገር ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ። ድሕሪዚ ኣብ ቀላይ ኮንጐ ዘጋጠመ ሓደጋ ዛጊት 300 ሰባት ካብ ምጥሓል ከም ዝደሓኑን 200 ዝኾኑ ደሃዮም ከም ዘይተፈልጠን ድማ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ። ብመሰረት ተቐማጦ እታ ጃልባ ብምሸት እንተጓዕዘት ምስ ከውሒ ብምግጫዋ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ። ኣብ ዲ/ሪ/ኮንጐ ብሰንኪ ዋሕዲ መርበባት መንገዲ ሰባት ንንውሕ ዝበለ ርሕቀት ብጀላቡ ከም ዝጐዓዙ ይፍለጥ። ሚኒስተር ሰብኣዊ ጒዳያት እታ ሃገር ስቲቭ ምቢካዪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እታ ጃልባ ንሕጊ ብዝጥሕስ ኣገባብ ልዕሊ ዓቐን ሰብ ጽዒና ብምሸር ትጓዓዝ ምንባራ ሓቢሩ። እታ ጃልባ ኣብ ከባቢ ሰዓት 8 እያ ተገልቢጣ ተባሂሉ’ሎ።