ብዕጡቕ ጒጅለ ADF፡ ተታሒዞም ዝጸንሑ 150 እሱራት፡ ነጻ ከም እተለቁ፡ ሰራዊት ኮንጎ ኪንሻሳ ኣፍሊጡ።
እዚ ጒጅለ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ኣሽሓት ሰባት ከም ዝቐተለ እቶም ሰብመዚ ወሲኾም ገሊጾም። እዞም እሱራት ደቀንስትዮ፡ ሽማግለታትን ቆልዑን ምዃኖምን ADF ከም ሰብኣዊ ድፋዕ ጌሩ ክጥቀመሎም ምጽንሑን ኣፈኛ እቲ ሰራዊት ገሊጹ።
እዚ ወተሃደራዊ ጒጅለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብታ ኣብ ዶብ ኡጋንዳ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ኡቱሪ ዘሎ መዓስከር ስደተኛታት ብምጥቃዕ ብውሕዱ 50 ሲቪላውያን ብምቕታሎም ክኽሰሱ ጸኒሖም ኣለዉ።
Allied Defence Forces ወይ ብሓጺሩ ADF መበቆሉ ካብታ ኣብታ እንግሊዝኛ እትዛረብ ኡጋንዳ ኮይኑ፡ ምስ ዳዕሽ ርከብ ከም ዘለዎ ጸብጻባት የመልክቱ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብታ ብማዕድናት ዝሃብተመት ኮንጎ፡ ካብ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጒጅለታት፡ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ጉጅለ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።