ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጐ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ከም ዝሞተ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ገሊጹ።
43 ዝዕድሜኡ ሉካ ኣታናስዮ ምስ ቃፍላይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እናተጓዕዘ ጥቓ ከተማ ጎማ ኣብ ዝርከብ ቦታ ብዝተገብረ መጥቃዕቲ እዩ ቈሲሉ። ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሆስፒታል ከም ዝዓረፈ ድማ ተገሊጹ።
እተን ቃፍላይ ናይ ው/ሕ/ሃ ፕሮግራም መግቢ ዓለም እየን። ኣብቲ መጥቃዕቲ ምስተን ቃፍላይ ዝነበሩ በዓልመዚ ፖሊስ ኢጣልያን ዜጋ ኮንጐ ዝኾነ ኣውቲስታን ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ እውን ቢቢሲ ሓቢራ።
“ኣብ ከተማ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣምባሰደርና ምሟቱ እንከነፍልጥ ዓብዪ ሓዘን ይስማዓና” ክብል ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ኢጣልያ መግለጺ ኣውጺኡ’ሎ።
እዚ ኣብ ሰሜን ኣውራጃ ኪቩ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ጭውያ ንምፍጻም ተባሂሉ ዝተኻየደ እዩ ክብሉ ሰብመዚ ሃገራዊ ፓርክ ቪሩንጋ ገሊጾም።