ሓደ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ሰባት ዝተፈተነ ቅትለት ንምፍጻም ምስ ሓሙሽተ
መንእሰያት ውዕል ብምእታው ን 18 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። እዚ ገበናት ኣካል ናይቲ ካብ በዓል ክሪስማስ ኣትሒዙ ኣብ
ከባቢ ስቶክሆልም ዝቕጽል ዘሎ፥ ኣብ መንጎ ገበነኛታት ጉጅለታት ዝካየድ ምስ ዕዳጋ ዕጸፋርስ እተተሓሓዘ ግጭት እዩ። ንሱ ኣብ
ወርሓ ጥሪ ኣብ ደቡባዊ ስቶክሆልም ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ጎነጻዊ ገበን፥ ሓሙሽተ 14ን 15ን ዝዕድሜኦም ኮተቴ
ነቲ ገበን ክፍጽሙ ምውፋሩ ብዓቃቢ ሕጊ ክሲ ቀርብሉ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ፍሩወን፥ ኣብ ምውዳእ ወርሒ ጥሪ ሓደ
መንእሰይ ናብ ማዕጾ ሓደ መንበሪ ኦቶማቲክ ብረት ድሕሪ ምትኳሱ እዩ እዚ ጎነጻዊ ገበን ንሰለስተ መዓልታት ቀጺሉ። ኣብ እዋን
እቲ ተዂሲ ኣብቲ መንበሪ ቤት ብዙሓት ሰባት እኳ እንተነበሩ ዝኾነ ዘጎድአ ሰብ ግና ኣይነበረን። ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ ኣብ
ሆረዳለን ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ድሕሪ ዝተገብረ ናይ ተዂሲ መጥቃዕቲ፥ እቲ ሰብኣይ መቚሰልቲ ከም ዘጋጠሞ፥ ኣብ ሳልሳይ
መዓልቲ ኸኣ ብምትእትታው ፖሊስ ካልእ መጥቃዕቲ ምፍሻሉ፥ ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።
ትማሊ ብጠቕላላ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ጎነጻዊ ገበናት ተዋፊሮም ብምጽንሖም ተፈሪዶም ኣለዉ። ኩሎም ዝኾነ በደል
ከምዘይፈጸሙ ናይ እምነት ክሕደት ቃሎም ክህቡ እንከለዉ፡ ጠበቓ ናይዚ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ይግባይ ክብል ምዃኑ
ገሊጹ’ሎ።