ኮተቴ ተመሃሮ መጠን ውጥረቶም እናወሰኽ ምምጽኡ፡ “ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን” ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ
ኣመልኪቱ። ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዮተበሪ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ፥ ምስ ዕብይ ዝበሉ ተመሃሮን፥ ነባር ኣማኻሪት
ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲን ኣዕሊላ ኔራ። ብመሰረት ዝረኸበቶ ሓበሬታ መርመራ ዝርከበሉ ናይ ግዜ ገደብ (ዴድላይን)፥ ጽቡቕ
ውጽኢት ንምምጻእ ዘሎ ጸቕጢ፥ ከምኡ’ውን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ተመሃሮ፥ ውጥረት ንኽልዕል ምኽንያት
ይኾኑ’ለዉ። ገለ መንእሰያት ካብ ውጥረት ናጻ ኮይኖም ጽቡቕ ግዜ የሕልፉ ምህላዎም ዘርእዩ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ስእሊታት፡
ነዚ ውጥረት ኣበርክቶ ይገብሩ ምህላዎም ተመሃሮ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለዉ።