![Cornelia](https://www.harmonymedia.se/wp-content/uploads/2022/03/Cornelia-.webp)
Ola Gäverth/Swedish Radio
ብቐዳም ምሸት ኣብ መሎዲፈስቲቫለን ኣብ ዝተካየደ ውድድር ደርፊ ምዕዋታ ክትጾሮ ዝኸብዳ ሓጎስ ከም እተሰምዓ ኮርኒልያ ጃኮብስ ገሊጻ’። ብምኽንያት ዓወታ ኮርኒያ ን ሽወደን ወኪላ ኣብ ውድድር ደርፊ ኣውሮጳ ዩሮቪዥን ክትሳተፍ እያ። “ዘይተጸበኹዎ ዓብዪ ሓጎስ እዩ፡ ኣእምሮይ ዝግንፍል ዘሎ ክሳብ ዝመስለኒ እየ ተሓጒሰ” ዝበለት ኮርኒልያ ነቲ ኣብ ቱሪን ኢጣልያ ኣብ መፋርቕ ወርሓ ጉንበት ዝካየድን 40 ሃገራት ዝሳተፋኦን ውድድር ዩሮቪዥን ትዳሎ ምህላዋ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።