ኮሚሽነር ስደተኛታት ኣውሮጳ ንስደተኛታት ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ቊጠባ ኣውሮጳ ኣስተዋጽኦ ዝገብሩ ዘለዉ ብጽቡቕ ክንቅበሎም ኣሎና። ኮሚሽነት ስደተኛታት ኣውሮጳ ሽወደናዊት ኤልቫ ጆሃንሰን ኣብ መንጐ ህዝቢን መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳን ስእነት ምትእምማን ምህላዉ ጠቒሳ። “ዜጋታት ኣውሮጳ ዓለምለኻዊ ሓለዋ ደልዮም ንዝመጹ ስደተኛታት ክቕበሉ ድሌት ኣለዎም፥ ብፍላይ ነቶም ኣብ ቊጠባ ሃገራት ኣዎንታዊ ተራ ክጻወቱ ዝደልዩ ሰባት ብጽቡቕ እዮም ዝቕበሉ፥ እንተኾነ ናይ ምስጓጒ መስርሕ ክንኣልዮን ክንቈጻጸሮን ኣይንኽእልን ብምባል ስክፍታ ኣለዎም” ክትብል ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ውድብ ቊጠባዊ ምትሕግጋዝ ኣብሪሃ።
“ስደት ክንቈጻጸሮ እንኽእል ጒዳይ ምዃኑ መረጋገጺ ክንህቦም ይግባኣና እዩ” ድሕሪ ምባል ዝሓለፈ ዓመት ክልተ ሚልዮን ስደተኛታት እንተላይ 150 ሽሕ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምእታዎም ኣመልኪታ’ላ። ኣውሮጳውያን ሰብመዚ ዘይወግዓዊ ምምጻኣት ክቈጻጸሩ ከም ዝግባእ ዘመልክተት ጆሃንሰን” እቶን ክጸንሑ ዝደልዩ ግና ብጽቡቕ ክንቅበሎም ይግባእ እዩ” ኢላ።