ክፍሊ ኢመግሬሽን ሽወደን ብምኽንያት ምንካይ ባጀት 2020 ን146 ሰራሕተኛታት ከሰናብቶም ምዃኑ ምግላጹ ተፈሊጡ። ብመሰረት ሬድዮ ኤኮት ኣብ ኣውራጃታት Skåne, Östergötland, Stockholm, Västernorrland och Västerbotten ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ካብዞም ብመስጐግቲ ዝሰናበቱ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እቲ በዓልመዚ ዳግማይ ናይ ምውቓር ውጥን ከም ዘለዎን ኣዚ ድማ ሰራሕተኛታት ከሰናብት ከም ዘገድዶን ምግላጹ ይዝከር።
ቆንስል ምሕደራ ብኤምባሲታትን ቆንስላትን ኣቢልካ ዝግበር ናይ መንበሪ ሕቶታትን ናይ ስድራቤት ምጥርናፍን ሕቶታት ምጒዳል ሓዊስካ ብዙሓት ዓበይቲ ለውጢታት ምትእትታው ገሊጹ’ሎ። ብመሰረት ተሌቪዥን ሽወደን ገለ ኣሃዱታት ክሕወሱን ክእለዩን ከም ዝኽእሉ’ውን ኣመልኪታ’ላ። እዚ ንትጽቢት ሓተትቲ ዕቚባን ናይ መንበሪ ፍቓድን ዘናውሕ ስጒምቲ ክኽውን ከም ዝኽእልን ናይዚ ኲሉ ጸገም ምኽንያት ምንካይ ባጀት እቲ ኤጀንሲ ምዃኑን ተሌቪዥን ሽወደን ጸብጺባ’ላ።