ክፍሊ ኢመግረሽን ሽወደን ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ሕዳር ጥራይ ን 3066 ሰባት ብምኽንያት ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝተረፉ ኣስታት 646 ሰባት ድማ ናብ ኣቀዲሞም ብስርሕ ምክንያት ፍቃድ ዝረኸቡ ቤተሰብ ዝተጸንበሩ ፍቓድ መንበሪ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።
ካምዚኣቶም ድማ ናይ ኣስታት 1,490 ኣባላት ስድራቤት ዘዕረፉሉ ቦታ ዉሑስ ኮይኑ እቶም ዝተርፉ 1245 ስባት ብምኽንያት ስራሕ ዝመጹ ግን ምስ ቤተሰቦም ብግሎም ወይ ምስ መቅርቦም ዘጽለሉ ከምዝኾኑ እዛ በዓል መዚ ወሲኹ ገሊጹ።
ክፍሊ ኢመግረሽን ስጋብ ሕጂ ብ ዓይነት ስራሕ ፍቓድ ካብ ዝሃበም ሞያታት ድማ፡ ኣብ ምእራይ ዓይነት ፍረ ቤሪ ዝተዋፈሩ ሓረስቶት 6162፣ ኣብ ኢንፎርመሽን ተክኖሎጂ ሲስተም 4088፣ ኣብ ፋስት ፉድን ተሓጋገዝቶምን 1056፣ ኪኢላታት መግብን ኮኮን 986፣ ከምእውን ሰብ ሞያ ኣብ ዓውዲ ኢንጅነሪንግ 942 እዮም።
ብመልክዕ ዝመጹለን ሃገራት ክዝርዘሩ ከለዉ ድማ፣
- ታይላንድ 6488
- ህንዲ 4698
- ዩክረይን 1088
- ቻይና 841
- ቱርኪ 839
- ኢራቅ 593
- ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 459
- ኢራን 382
- ብራዚል 352
- ፓኪስታን 319 እዮም።