መንግስቲ ንመምዘኒ ፈተናን መመያን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምምሕያሽ ከም ዝርከብ ሚኒስተር ትምህርቲ ሽወደን ኣና ኤክስትሮም ሓቢራ። በዚ መሰረት ዝነበረ ኣገባብ ገምጋም ትምህርቲ ዳግማይ ክኽለስ እዩ ክትብል እታ ሚኒስተር ሓቢራ’ላ። እዚ ኣገባብ ን ኣገባብ ምምዛን ንመማህራንን ተመሃሮን ኣዝዩ ዝተቓለለ ከም ዝገብሮ ተገሚቱ’ሎ።
እዚ ውጥን መንግስቲ ምስ ውዕል ጥሪ ዝተኸተመ ኮይኑ ኣብ ምምሕያሽ ግዱድ ትምህርቲ ዕዙዝ ግደ ክህልዎ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ፕረሲደንት ማሕበር መማህራን ማሕበር ኦሲ ቮሊን ብወገና መማህራን ኣብ ምምዛን ተመሃሮ ይሽገሩ ምንባሮም ብምጥቃስ እዞም ስጒምቲታት ኣዎንታዊ ምዃኖም ገሊጻ’ላ።