ኣብ ሊክሰለ ዝርከብ ክፍሊ መወልዳን፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሕጽረት ኣሕረስቲ (midwives)፡ ካብ ዕለት 26 ሓምለ ጀሚሩ፡ ንሰለስተ ሳምንታት ተዓጽዩ ክጸንሕ ምዃኑ ምምሕዳር ቬስተርቦተን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣብ ምጅማር ወርሒ ሰነ፡ ብሰንኪ ወቅቲ ክረምቲ ዘጋጥም ናይ ምዕጻው መስርሕ ኣይክህልውን እዩ ክብሉ እቶም ኣሕረስቲ ተዛሪቦም ምንባሮም ይዝከር። ይኹን እምበር፡ ወላ’ኳ እቲ ክፍሊ፡ ኣብዚ ወቕቲ ክረምቲ ክፉት ኮይኑ ንኽጸንሕ ጻዕርታት እንተ ተኻየደ፡ ግብራዊ ክኸውን ከምዘይከኣለ እቲ ምምሕዳር ገሊጹ። እቶም ስድራ ቤታት ክኾኑ ዝጽበዩ ዘለዉ ሰባት ኣብ ኡምዮን ዀሊፍቶን (Skellefteå) ኣብ ዝርከቡ ክፍሊ መወልዳን ክኸዱ ከምዘለዎምን ክሳብ ናይ ሕርሲ ግዚኦም ወዲኦም ዝምለሱ ድማ፡ ምምሕዳር ቬስተርቦተን፡ ንመንበሪ ዝኸውን ገዛ ከዳልወሎም ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣሕረስትን ሰራሕተኛታት ጥዕናን፡ እዚ ሃጓፍ ንኸይፍጠር ዝከኣሎም ገይሮም እዩም። ይኹን እምበር ኣብ መላእ ሃገር፡ ሕጽረት ኣሕረስቲ ብምህላዉ፡ ነቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ክንመልእ ኣይከኣልናን ክትብል ዳይሬክተር ጥዕና እቲ ምምሕዳር፡ ብሪታ ዊንሳ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።
ምምሕዳር እቲ ከባቢ፡ ንኹሎም በዚ ውሳነ ዝተጸልዉ ስድራቤታት፡ ክረኽቦም ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።