ሚኒስትሪ ፋይናንስ ሽወደን ቅድሚ ናይ ክረምቲ ባጀት ንምስላዕ ኣብ ፓርላማ ዝግበር ምዝርራብ፡ ክፍሊት ግብሪ ንምጉዳል ዘኽእሉ ኣርባዕተ እማመታት ናብ ፓርላማ ኣቕሪቡ። ናብ ፓርላማ ዝተላእከ እማመታት ንግብሪ ኣታዊታት፡ ግብሪ ጥሮታ፡ ግብሪ መንግስታዊ ኣታዊታትን ምስግጋር ብ ‘’ግብሪ ክኢላታት’’ ዝፍለጥን ዘጠቓልል እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ክፍሊት ግብሪ ኣከባብን ክሊማን ወሲኽና ኔርና። ገለ ክፋል ካብቲ ዝተወሰኸ ክፍሊት ንህዝቢ ሽወደን ክንከፍሎ ኢና ክትብል ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግዳሊና ኣንደርሸን፡ ሓቢራ።
ክፍሊት ግብሪ ንምጉዳል፡ ብወገን መንግስትን ሰልፍታት ሰንተርን ሊበራልን ኣብ ወርሒ ጥሪ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ይዝከር።
ክፍሊት ግብሪ ብኽንደይ መጠን ክጎድል ከም ዘለዎ ኣብቲ ናይ ክረምቲ ባጀት ንምስላዕ ዝግበር ዝርርብ ክዝረበሉ ምኻኑ እታ ሚኒስተር ገሊጻ።