ኣብ ሽወደን፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ተላባዒ ሕማም (ለበዳ)፡ ሓደ ሰብ ሓሚሙ ክሰርሕ እንተዘይክኢሉ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት መድሕን (försäkringskassan) ካሕሳ ናይ ተሸካሚ ሕማም (smittbärarpenning) ክሓትት መሰል ከምዘለዎ ይፍለጥ።
ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ብዙሓት ሰባት ካብ ስራሕ ተመዛቢሎም ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ኣስታት 4 ሽሕ ሰባት ናይ “ተሸካሚ ሕማም” ካሕሳ ካብ ቤት ጽሕፈት መድሕን ከምዝሓተቱ ሬድዩ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ እዚ ቁጽሪ ካብ 200 ክሳብ 400 ሰባት ጥራይ ምንባሩ ይዝከር።
ናይዚ ዓመት ክፍሊት ካሕሳ “ተሸካሚ ሕማም” ብ2000% ብምውሳኽ፡ ክሳብ 90 ሚልዮን ክሮነር ክበጽሕ ከምዝኽእል ጸብጻባት ሓቢሮም።
ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ድሕነት፡ ብወገኑ፡ ነዚ ተወሳኺ ጸዕቂ ስራሕ ንምብዳህ፡ ቁጽሪ ኣባላቱ ወሲኹ ከምዘለኦ ሓቢሩ።