ቅልውላው ኮሮና እናሃለወ፡ ነቶም መምርሒ ፍቕድ መኪና ዝውንኑ ሰባት ዝኸውን ብኣሽሓት ዝቑጸር ክፉት ቦታ ስራሕ ከምዘሎ ተሌቪዥን ሽወደን ሓቢሩ።
ብዝሒ ናይቶም ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም፡ መምርሒ ፍቓድ መኪና ንኸውጽኡ ልቓሕ ዝሓቱ ሰባት ብምጉዳሎም፡ ቁጽሪ ናይቶም ሓድሽ መምርሒ ፍቓድ መኪና ዝሓቱ ሰባት ጎዲሉ ክብል ሓዲሽ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ናብ ፍርቂ ሚልዮን ይገማገም ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ በንጻሩ ንወነንቲ መምርሒ ፍቓድ መኪና ዝኸውን ክፍት ናይ ስራሕ ቦታታት ምህላዉ ተፈሊጡ።
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ኣስታት 8 ሽሕ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ከምዝነበሩ፡ መብዛሕትኦም፡ መምርሒ ፍቓድ ዝሓቱ ወይ ድማ ኣገዳስነት መምርሒ ፍቓድ መኪና ዝሓትት ምዃኑ ይፍለጥ።