ኣብ ሊንሾፒን እትርከብ ቤተ ክርስትያን፡ ከም ናይ ክታበት ኑቕጣ ኮይና ከተገልግል ካብ ትጅምር፡ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ገይራ ከምዘላ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ግን፡ ዘይንቡር ፍጻመ ከምዝተረኽበ ምምሕዳር’ቲ ቤተ ክርስትያን ገሊጹ።
ካብቲ ዝነበረ ክታበት፡ 12 ፍርያት ኩባንያ ፋይዘር ዝኾኑ ብልቃጥ (ዶዛት) ከምዘይተረኽቡ፡ ቤት ጽሕፈት ከባቢ ኦስተርጎትላንድ፡ ንፖሊስ፡ ሓቢሩ።
እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ ዘይንቡርን ባህርያዊ መግለጺ ክርከቡ ዘይክእልን ስለዝኾነ፡ ንግዚኡ ግን ከም ናይ ስርቂ ፍጻሜ ክኸውን ኣለዎ ክብል ሪቻርድ ሉንዲን ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ከባቢ ኦሰተርጎትላንድ፡ ዘድሊ ሓበሬታታትን ሰነዳትን ኣኪቡ፡ ሎሚ፡ ናብ ፖሊስ ከረክቦ ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ናይ ምጥፋእ ፍጻሜ፡ ኣፍደገ ቤተ ክርስትያን፡ ንበጻሕቲ ተኸፊቱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣጋጢሙ ክኸውን ከምዝኽእል ይጥርጠር።
ፍርያት ኩባንያ ፋይዘር ዝኾነ ክታበት፡ ንምዕቃቡ፡ ብጣዕሚ ትሑት ዓቐን ሙቐት ዘድልዮ ፍርያት ብምዃኑ፡ እቲ ዝተሰርቀ ብልቃጥ፡ ነቲ ዘድልዮ መዐቀቢ ዛሕሊ እንተዘይረኺቡ፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ኣድማዕነቱ ኣሰካፊ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብል ሉንዲን ገሊጹ።