ክቱር ድኻም ሓደ ካብቶም “ዝተናውሐ ሕማም ኮቪድ” ዘጥቅዖም ሰባት ዘርእይዎ ምልክታት ምዃኑን፡ እዚ ድማ እዚ ኲነታት
ካብ መንሽሮ ብዘይንእስ ን ህይወት ሕሙማት ከም ዝጸሉን ሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። እዚ መጽናዕቲ ብ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ
ኤክስተር ዝተመርሐ እዩ።
እዚ ብ “BMJ Open” እተሓትመን ብ “ሃገራዊ ትካል ጥዕናን ክንክን” ን እተመወለ መጽናዕቲ፥ ኣብ ልዕሊ 3,750
ተሓከምቲ “ዝተናውሐ” ሕማም ኮቪድ ዝስዕብ ጽልዋታት ኣጽኒዑ’ሎ። እቶም ተሓከመቲ ብ ዲጂታላዊ ኣፕ” ሕማም ኮቪድ
ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም እንታይ ሽግራት ከም ዘምጽኣሎም ብዝምልከት ገለ ሕቶታት ክምልሱ ተጌሮም እዮም። እቶም ሕቶታት ን
መጠን ድኻም፥ ቃዝኖት፡ ጭንቀት፥ ሕጽረት ምስትንፋስ፥ ምግራድ ኣእምሮን ዓይነት ህይወትን ተሓከምቲ ንምዕቃን ዝተዳለዉ
እዮም።
ብመሰረት እዚ መጽናዕቲ፥ “ዝተናውሐ ሕማም ኮቪድ” ዘለዎም ሰባት ጥዕና ከም ዝርሕቆምን ካብ ሕሙማት መንሽሮን
ኲሊትን ብዘይውሕድ ናይ ድኻም ስምዒት ከም ዘጥቅዖምን እቶም ተመራመርቲ ኣጣሊሎም ኣለዉ። ብጠቕላላ፥ ጽልዋ
“ዝተናውሐ ሕማም ኮቪድ” ካብ ሕማም ወቕዒን ፓኪስንሰንን ከም ዘይነኣኣስ እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።