ብሞት እተፍቅሮ ሰብ ኣመና ምሕዛን ኣብ ስነኣእምሮኣዊን ኣካላዊን ጥዕና ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከም ዘለዎ ተገሊጹ። ሓዘን ኣብ ልቢ
ዝህልዎ ጽልዋ ዘጽንዐ ዩኒቨርሲቲ ኣሪዞና (ሕ/መ/ኣመሪካ)፡ እዚ ኲነታት ልዑል ጸቕጢ ደም ከስዕብ ከም ዝኽእል
ኣጣሊሉ’ሎ። እዚ ኣብ መጽሄት “ሳይኮሶማቲክ መዲሲን” እተሓትመ መጽናዕቲ፥ ኣብ መንጎ ክቱር ሓዘንን ልዑል ጸቕጢ ደምን
ዘሎ ምትእስሳር ብዝርዝር ኣብሪሁ’ሎ።
ነዚ መጽናዕቲ ዝደረኸ፥ ገለ ሰባት ብሞት ዘፍቅርዎ መስበርቲ ልቢ ከም ዘጋጥሞምን ብቐሊሉ ናብ ሞት ከም ዝቃልዑን ዝቐረበ
ሓሳብ ምዃኑ፥ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣሪሶና ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ሳይኮሎጂ ሜሪ-ፍራንሰስ ኦካነር ገሊጻ። ብምኽንያት ሞት እተፍቅሮ
ሰብ ዝኽሰት ልዑል ናይ ሞት ተኽእሎ፥ ኣብ ሕክምናዊ መጽናዕቲታት ክስነድ ምጽንሑን፥ እዚ ኦካነርን ብጾታን ዘለለይዎ ሕማም
ጸቕጢ ደም ሓደ ረቛሒ ክኸውን ከም ዝኽእል፥ ነታ መጽሔት ብምጥቃስ “ሄልሲንኪ ታይምስ” ጸብጺባ’ላ።