ጆርጂና ሮድሪገዝን ክሪስቲያኖ ሮናልዶን ፍላይ ማንታ ወዶም ከምዝሞተ ሓፍቱ ግን ብህይወት ከምዘላ ኣፍሊጦም።
ተጻዋታይ ማንቸስተር ዩናይትድ ክርስትያኖ ሮናልዶን መጻምድቱ ጆርጂና ሮድሪገዝን፡ “ዝዀነ ወላዲ ክስምዖ ዝኽእል ዝዓበየ ስቓይ” ከም ዘጋጠሞም ብምግላጽ፡ ውላዶም ብሞት ከም ዝተፈልየ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ዝሓለፈ ጥቅምቲ ምጥናሳ ዝሓበረት ጓል 28 ዓመት ጆርጂያና፡ ምስ በዓል ቤታ ወዲ 37 ዓመት ፖርቱጋላዊ ክርስትያኖ ሮናልዶን ማናቱ ቈልዑ ክትገላገል እያ ትጽበ ነይራ።
ካብቶም ማናቱ ዕሸላት እታ ህጻን ጓሎም ብምድሓና፡ “ነዛ ህሞት እዚኣ ብተስፋን ብሓጐስን ክንነብር ዘኽእለና ብርታዐ ሂባትና ኣላ” ክብሉ ምቕሊ ብምርካቦም ሓጐሶም ገሊጾም። ነቲ ብሞት ዝተፈልዮም ህጻን ከኣ “ፍቱው ውላድና፡ ንዓና መልኣኽ ኢኻ። ወትሩ ኸኣ ከነፍቅረካ ኢና” ኢሎም ጽሒፎም።
Källa BBC TIGRINJA