ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾ ቅድሚ ኣብ ቪልኒየስ ዝካየድ ዋዕላ ኔቶ፥ ምስ ፕረዚደንት ቱርክ ረሲፕ ጠይብ
ዔርዶጋን ብዛዕባ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ንምዝታይ ዝመጽእ ሰኑይ ክራኸቡ እዮም። ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶልንበርግ ድሕሪ
ኣኼባ ወከልቲ ሽወደን፡ ቱርክን ፊንላንድን ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ሽወደን ምስ ቱርኪ ዝኣተወቶ ውዕል ዝፈጸመት ከም
እትመስል ገሊጹ።
ሃንጋሪን ቱርኪን ክሳብ ሕጂ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ዘየጽደቓ ኣባላት ኔቶ ኮይነን፡ ቱርኪ ብዛዕባ ንጥፈታት
ኩርዳዊ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ፒ.ኬ.ኬ ኣብ ሽወደን ዘለዋ ስክፍታታት ክትገልጽ ጸኒሓ’ላ። ብተመሳሳሊ ዜና፥ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ
ባይደን በድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ርክብ ንኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ
ዘለዎ ጽኑዕ ደገፍ ገሊጹ’ሎ። ክሪስተርሾን ነቲ ጒዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝርዝር ክኣቱ ከም ዘይድሊ እኳ እንተገለጸ፥ እቲ ኣኼባ
ኣድማዒ ምንባሩ ግና ሓቢሩ’ሎ። ኣብዚ እዋን ቱርክ ን ኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶ ከተጽድቕ እያ ዝብል ውሕስነት ከም ዘየለ
ክሪስተርሾን ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።