ሓላፊ ሰልፊ ሞደራትና: ኦልፍ ክሪስተርሶን: ሓድሽ መንግስቲ ንኽቕውም ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ክዕወት ከምዘይክእል ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኩሎም ኣሃዛውያን ረቛሒታት: ኣንጻርና እዮም ዘለዉ ክብል: ክሪስተርሶን: ገሊጹ።
ቅድሚ ክልተ መዓልታት: ፕረዚደንት ባይቶ ሽወደን: ኣንድርያስ ኖርለን: ሓድሽ መንግስቲ ንምቋም ንክሪስተርሶን ክሳብ ጽባሕ ዓርቢ ዝጸንሕ ዕድል ከምዝሃበ ይፍለጥ። ይኹን እምበር ክሪስተርሶን: ሓድሽ መንግስቲ ንምቛም ከምዘይከኣለ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን: ባይቶ ሽወደን: ዘይማሕበራዊ መንግስቲ (nonsocialist government) ንምቛም ድሉው ከምዘይኮነን 175 ናይ ባይቶ መናብር ውን ብ ኣይፋል ከድምጹ ምዃኖም ደምዲምና ኣለና ክብል ክሪስተርሶን ብምውሳኽ ገሊጹ።
ንመዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝግበር ምርጫ: ሓደ ተወዳዳሪ: 175 ወይ ድማ ልዕሊኡ: ናይ ኣይፋል ድምጺ ምስ ዝረክብ: ክዕወት ከምዘይክእል ይፍለጥ።