ፊንላንድ ን ሽወደን ብምቕዳም ኣባል ኔቶ ክትከውን ልዑል ተኽእሎታት ከም ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪተርሰን
ትማል ሰሉስ ን መራኸቢ ብዙሃን ገሊጹ።
ሽወደንን ፊንላንድን ንኔቶ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክጽንበራ ምዃነን ዝእንፍት ምልክታት ካብ ቱርክ ምርካቦም፡ ክሪስተርሰንን ሓላፊ
ልዝብ ኔቶ ኦስካር ስተንስትሮምን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሮም።
"ምስ ፊንላንድ ዘለዎም ጒዳይ ዝወድኡ እዮም ዝመስሉ፡ ናይ ሽወደን ግና ገና እዩ" ኢሉ’ሎ–ክሪስተርሰን።