ሃንጋሪ ን ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ከም ዘይተደናጒ ቃል ምእታዋ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን ገሊጹ። ንሱ ነዚ
ዝበለ፥ ምስ መራሒ ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ኣብ ኣኼባ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ብራስለስ ድሕሪ ምርኻቡ እዩ።
እንተኾነ ግና ሃንጋሪ ን ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ቅድሚ ናይ ፊንላንድ ስለምንታይ ተጽድቕ ምህላዋ ን ክሪስተርሰን ዝተዋህቦ
ምኽንያት የለን። እንተኾነ ግና ሃገራት ጒዳየን ብዝመሰለን ከጽድቓ መሰለን ምዃኑ ክሪስተርሰን ኣስሚሩሉ።
ባይቶ ሃንጋሪ ሎሚ ሰኑይ ናይ ፊንላንድ ሕቶ ከጽድቕ ናይ ሽወደን ግና ክጸንሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።