ክልተ ደቂ 16 ዓመት ኮተቴ፡ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ደቡብ ስኮና ኣብ ልዕሊ ጓል 12 ዓመት ብዝፈጸምዎ ሓባራዊ ጾታዊ ዓመጽ፡ ተኸሲሶም ኣብ ማእከል ተሃድሶ ንኽኣትዉ ቤት ፍርዲ ምውሳኑ ሬድዮ ሽወደን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ፍጻሜ ክልተ ኮተቴ ውን ተሳቲፎም ምንባሮም ኣኽባሪ ሕጊ ጠቒሱ። እንተኾነ ትሕቲ 15 ዓመት ስለዝኾኑ ብመሰረት ሕጊ ሽወደን ክኽሰሱ ከምዘይከኣሉ ሓቢሩ።
እቶም ገበነኛታት ነታ ቆልዓ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተላልዮም ብኣካል ንኽረኽብዋ ናብ ሓንቲ ገዛ ብምዕዳም ነቲ ገበን ክፍጽምዎ ክኢሎም።
እቶም ክልተ ቆልዑ፡ 120 ሽሕ ክሮነር ካሕሳ ነታ ቆልዓ ክኸፍሉ እቲ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።