ኣብዚ ወርሒ፡ ዕለት 16ን 19ን፡ ክልተ ሳብማሪናት ሩስያ፡ ካብ ገማግም ኖርወይ ብሒደት ርሕቀት ኣብ ኣህጒራዊ ማያት ከም እተራእያ–ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ገሊጹ።
እዘን ሳብማሪናት፡ ብደቡብ ወገን ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ በርገን የምርሓ ምንባረን፡ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ። ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ኣብ ተልእኾ ዝነበረት ብሪጣንያዊት መርከብ HMS Portland፡ ነተን “ሰቨሮድቪንስካ” ከምኡውን “ቨፕር” ዝስመን ክልተ ሳብማሪኣት ሩስያ ከም ዝረኣየተን፡ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።
እዚ ልሙድን ንቡርን ተርእዮ ምዃኑ፡ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኖርወይ ኣካያዲ ርክባት ቶሪን ሀርላንድ ገሊጹ’ሎ።
“ብርክት ዝበላ መራኽብ ሩስያ፡ ነቲ ኣብ 31 ሓምለ ኣብ ከተማ ቅዱስ ፒተ’ስበርግ ዝጽንበል መዓልቲ ሓይሊ ባሕሪ ንምኽባር፡ ናብ ሓደ ኣንፈት የምርሓ ምህላወንን ንጥፈት እዘን መራኽብ ወሲኹ ምህላዉን፡ እታ ኣካያዲት ን ጋዜጣ በርገንሳቪዬን ኣብ ዝሃበ ሓበሬታ ወሲኻ ኣረዲኣ’ላ።