ሽወደን፡ ንክልተ ሰብ ሓዳር ዝኾኑ ጀርመናውያን ከም ኣምባሳደር ጀርመን ኮይኖም ንኽሰርሑ፡ ኣብ ያርዴት ስቶክሆልም ኣብ ዘሎ ህንጻ ኤምባሲ ጀርመን ተቐቢላ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዞም ኽዋኪም በርተለን በዓልቲ ቤቱ ክሪስቲና ቤንሆፍን ዝተባህሉ ዲምፕሎማሰኛታት፡ ኣምባሳደር ጀርመን ብምዃን ንዝቕጽል 16 ኣዋርሕ ከገልግሉ እዮም። ኣብ ቀዳሞት ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ኽዋኪም በርተል፡ ንበይኑ ከም ኣምባሳደር ጀርመን ኮይኑ ከገልግል እዩ ክብል መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
እዞም ክልተ ኣምባሳደራት፡ ብሰሉስ፡ ወረቐት ስርሖም ንንጉስ ካርል ጉስታቭ ኣቕሪቦም። በዚ ድማ እዞም ሰብ ሓዳር ንሃገሮም ኣብ ሽወደን ክውክሉ እዮም።
ጀርመን ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ክትምድብ ሕጂ ንፋልማያ ኣይኮነን። ኣብ ሰነ ዝሓለፈ ዓመት እውን፡ ሰብ ሓዳር ናታሊ ኮሰርን ኣድሪያን ፖልማንን ኣምባሳደራት ኣብ ስሎቨንያ ክኾኑ ልኢኻ ምንባራ ዝፍለጥ እዩ። ሓዳርን ስራሕን ኣሳንዮም ክኸዱ ብምባል ንሳቶም እውን ንሸሞንተ ኣዋርሕ ብሓደ ክዓዩ መሪጾም ምንባሮም ዝፍለጥ እዩ።