፡ እዚ ቕትለት ኣብ ሓምለ 19 2019 ፍርቂ ለይቲ ዘጋጠመ ኮይኑ ሓደ መንእሰይ ኣብ ኖርዲስታን ማእከል ከተማ ዮተበሪ ብስሕለት ክውጋእ ብምግባር እዩ ተፈጺሙ። ፈጻሚ እዚ ገበን መጀመርታ ንተቐታሊ ኣብ ቅልጽሙ ቀጺሉ ኣብ ኣፍልቡ ብስሕለት ከም ዝወግኦን ግዳይ ናብ ሆስፒታል እናተወስደ ከም ዝዓረፈን ተመልኪቱ።
ቤርፍርዲ ነቲ ካልኣይ መንእሰይ ኣብዚ ገበን ብምትሕብባሩ ብ 8 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ በይንሉ’ሎ። ብዘይካ እዚ ዝተጠቕሰ መቕጻዕቲ ገበነኛታት ሕድሕዶም 120 ሽሕ ክሮና ካሕሳ ንስድራ ግዳይ ክኸፍሉ በይኑሎም ኣሎ።