Källa BBC TIGRINJA
ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብምኽንያት ምልውዋጥ ኩነታት ኣየርን ምእራግ ናይ ማይ መስመራትን ከቢድ ሕጽረት ዝስተ ማይ ኣጋጢሙዋ ኣሎ።
ኣብ ከም ኪበራ ዝበሉ ሻውላት ዝነብሩ ሰባት ድማ፡ ማይ ብውልቂ ካብ ዝሸጡሎም ሰባት ስለ ዝኾነ ዝረኽቡ፡ እቲ ኣብታ ከተማ ዘሎ ሕጽረት ዝስተ ማይ እቲ ቀረብ ክቆጻጸሩዎ መገዲ ከፊቱሎም ይርከብ።
ይኹን’ምበር፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝኸፍልኦ ዘለዋ ዋጋ ልዕሊ ገንዘብ እዩ።
“እቶም ምሸት ማይ ዝሸጡልና ሰባት መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ’ዮም። ንጾታዊ ርክብ ዝደፋፍእ ነገር ክገብሩ እንከለው ኣይኾንን ኢልኪ እንተነጺግኽዮም ማይ ኣይህቡኽን” ትብል ሓንቲ ነባሪት ኪበራ።