ኣብ ኬንያ፡ ኣለቃሕቲ ነቶም ዕዳኦም ኣብ ምኽፋል ዝደንጐዩ ሰባት “ዕዳኹም ክፈሉ፡ እንተ ዘይኮይኑ ግና ኲሊትኩም ክትከስሩ ኢኹም” ዝዓይነቱ ዘይተለምደ ምፍርራህ ከም ዘስምዑን እዚ ድማ ህዝባዊ ቊጥዐ ቀስቂሱ ምህላዉን ወኪል ቢቢሲ ካብ ናይሮቢ ኣመልኪታ።
ሓደ ካብቶም ከምዚ ዝበለ ምፍርራህ ዝበጽሖ ፓስተር፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ወኪል ዜና ቢቢሲ ብምምጻእ፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንዝሓለፈ ሓደ ሰሙን መመላእታ ካብ ኣከብቲ ዕዳ ክድወለሉ ምጽንሑ ገሊጹ። እቶም ኣከብቲ ዕዳ፡ እቲ ፓስተር፡ ንሓንቲ ተለቃሒት ዋሕስ ምንባሩ ብምጥቃስ ፈለማ ብትሕትና ዕዳኦም ክኸፍሉ ተማሕጸኖ። ኣብ ዝቐጸለ ናይ ተሌፎን ጻውዒታት ግና እቶም ደወልቲ፡ ኣዝዩ ተሪር ቃና እናተጠቀሙ ምምጽኦም ካብኡ ሓሊፎም “ንስኻ ናይ ሓሶት ፓስተር ኢኻ” እናበሉ ንዕኡን ንበዓልቲ ቤቱን ምጽራፍ ምጅማሮም ይሕብር።
እዚ ጒዳይ፡ ናብ ወፍሪ ትዊተር በጺሑ ዓብዪ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ’ሎ። ሓደ ካብቶም ሰብ ጒዳይ “ዕዳኻ ክፈል ወይ ብኲሊትካ ክትከፍል ኢኻ!” ዝብል መልእኽቲ ከም እተቐበለ ይገልጽ። ካልእ ተጠቃሚ ኣብ ዘካፈሎ ተመኲሮ 2000 ሺሊን ኬንያ (18$) ምልቅሑ እንተኾነ ካብቲ ኲባንያ ብዝመጾ ጸርፊ ቀሲኑ ክድቅስ ከም ዘይከኣለ ገሊጹ’ሎ።