ሃገረ ኬንያ፡ ብልቓሕ ቻይና ዝሃነጸቶ መንገዲ ባቡር ንምኽፋል ስለ እተጸገመት ወደባ ኣሕሊፋ ንቻይና ክትህብ እያ ዝብል ጸብጻብ ሓሶት እዩ ክብል፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኬንያ፡ ኡኩር ያታኒ ገሊጹ።
እዚ ሓድሽ 472 ኪሎሜትር ዝንውሓቱ መንገዲ ባቡር ካብቲ ንቡር ኣህጒራዊ ዋጋ ሰለስተ ዕጽፊ ካብቲ ፈለማ እተገመቶ ኸኣ ኣርባዕተ ዕጽፊ ምውድኡ እዩ ዝንገረሉ። ሓንቲ ጋዜጣ፡ ኬንያ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኣቶ ሓበሬታ ኣለቃሕቲ ቻይና ንወደብ ሞምባሳ ክቈጻጸርዎ ይኽእሉ እዮም ምባላ ቢቢቢ ጸብጺባ’ላ።
እዚ መንገዲ ባቡር ንምህናጽ፡ ኬንያ፡ ካብ ቻይና ናይ 3.2 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ እያ ወሲዳ ይብሉ ጸብጻባት።
ንሱ፡ ነቲ ኣብ ጋዜጣ ኬንያ ዝወጸ ሓበሬታ ብምንጻግ ወደብና ቻይና ይዂን ካልእ ሃገር ክትወስዶ እያ ዝብል ስግኣት የብልናን ኢሉ። ቻይና ብዘይ ኣፍልጦ ባይቶና እትቕበሎ ክፍሊት ይዂን ኣምሳያ ክህሉ ኣይክእልን እዩ” ድማ ኢሉ። መንግስቲ ኬንያ፡ ንህዝባዊ ሃብቲ ትሕጃ ክገብር ኣይኽእልን እዩ” ክብል ያታኒ ነቲ ክሲ ውዱቕ ጌርዎ’ሎ።