ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ ኬንያ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብ 92% ምውሳኹ ጸብጻባት መንግስቲ ኬንያ ኣመልኪቶም። ብፍላይ ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ተርእዮ ኣዝዩ ምዕባዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና፡ ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ዝኾኑ ኬንያውያን ካብ ስራሕ ምፍናዎም ዝዝከር እዩ። ብፍላይ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣካላዊ መጥቃዕቲን ቆልዑ ብግቡእ ዘይምእላይን ተጋኒኖም ከም እተራእዩ ተመልኪቱ’ሎ። ቀንዲ ምኽንያታት እዚ ጎነጽ፡ ድኽነትን ወልፊ ዕጸ ፋርስን ምዃኖም ሚኒስትሪ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ጾታን ይገልጽ።
ኣብ መንእሰያት ዘሎ ናይ መንነት ቅልውላው፡ ስእነት ፍቕሪ ወለድን ውድቀት ስነምግባርን ዝለዓለ ተራ ምጽዋቶም ድማ ተመልኪቱ። ነዞም ሽግራት ንምፍታሕ መንግስቲ ናብ ድኻታት ስድራቤታት ምትሕልላፍ ጥረ-ገንዘብ የሳልጥ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ንደቀንስትዮ ቀዳምነት ዝህብን መንእሰያት ንቕሓቶም ክብ ክብል ዝሕግዝ ፕሮግራማት ተሓንጺጹ ይትግበር ምህላዉ ተሓቢሩ።
ኬንያ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ዕጽዋ ምህላዋን ሳልሳይ ማዕበል ኮሮና ኣብ ምክልኻል ዓቲባ ትሰርሕ ከምዘላን መንግስታዊ ጸብጻባት ይሕብሩ።