ኬንያ፡ በረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ሶማል ከይተረፈ ክትእግድ ከም እትኽእል ኣጠንቂቓ’ላ።
ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ንዲፕሎማስያዊ ተልእኾታት ኣብ ዝሰደዶ ደብዳቤ ሰብኣዊ በረራታት ሶማል፡ ኣብ ዘይግቡእ መዓላ ይውዕሉ ምህላዎም ጠቒሱ’ሎ። ኬንያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ንህጹጽ ጒዳያት ሕክምናን ናይ UN ሰብኣዊ ጒዳያትን ገዲፍካ፡ ካብ ጐረቤት ሃገራ ሶማል ዝግበር በረራ ምእጋዳ ዝዝከር እዩ። ሕጂ ግና “ሰብኣዊ በረራታት ንሰብኣዊ ዕላማታት ጥራይ ክውዕሉ እንተዘይክኢሎም” ኬንያ ምሉእ ምዕጻው በረራ ሶማል ክትእውጅ ከም እትኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኲሎም ሰብኣውያን በረራታት፡ መንን እንታይን ከም ዝጽዕኑ፡ ዘድሊ ምምላእ ቅጥዕታት ክፍጽሙ፡ እቲ ሚኒስትሪ ኣዚዙ’ሎ።
ኬንያን ሶማልን፡ ብሰንኪ ካብ 2014 ዘለዎም ማያዊ ዶባዊ ግጭት፡ ዝሕቱል ዲፕሎማስያዊ ርክብ ከም ዘለዎምን ሶማል ንኬንያ ናብ ኣህጒራዊ ቤት ፍርዲ ከም ዝኸሰሰታን ዝፍለጥ እዩ።