ኣብ መላእ ሃገረ ሽወደን፡ ብዝተራእየ ቅሉጡፍ ምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ተኣትዩ ብምህላዉ መንግስቲ ሽወደን፡ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ብዝሒ ዘሎዎም ጽኑዓት መምርሒታት ወሲዱ ከምዘሎ ብቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስቴፋን ሎቨን፡ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ገሊጹ።
በዚ መሰረት፡ ኩሎም ህዝባዉያን፡ ማሕበራዉያን ምትኽኻባት ካብ 8 ሰባት ንላዕሊ ምትእኽኻብ ከምዘይፍቀድ ተኣዊጁ ኣሎ። እዚ መምርሒ፡ ካብ ዕለት 24 ሕዳር ጀሚሩ ንኣርባዕተ ሳምንታት ዝኣክል ተግባራዊ ክኸውን ምዃኑ ንዝነወሐ ግዜ ናይ ምቕጻል ተኽእሎታት ከምዘለዎ ተሓቢሩ።
በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ 20 ካብ 21 ምምሕዳራት ሽወደን፡ ዝጸነዐ መምርሒታት ኮሮና፡ ኣመሓላሊፉ ከምዘሎ ይፍለጥ። ዝጸነዐ መምርሒታት ኮሮና ዝበሃል፡ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ካብ ምጥቃም ምቑጣብ፡ ካብ ስድራቤትካ ወጻኢ ምስ ዝኾነ ሰብ ኣካላዊ ምቅርራብ ዘይምፍጻም፡ ከም ቤተ መዘክር፡ ቤት ንባብ፡ መሐንበሲ ማእከላትን ናይ ንግዲ ቦታታትን ዝኣመሰሉ ዕጹዋት ዝኾኑ ቦታታት ምውጋድ።
ምስዚ ብምትእስሳር ተወሰኽቲ መምርሒታትን ድንጋገታትን ብበዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ክዋሃብ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዉልቀሰብ ሓላፍነታዊ ኣካይዳ ወሳኒ ምዃኑ መንግስቲ ሓቢሩ ኣሎ።