ሽወደን ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚራ ብመሰረት ስምምዕ መሰል ህጻናት ው/ሕ/ሃ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ስእሊ ውሉዳት ምልጣፍ ዘይሕጋዊ ንምግባር ተዳልያ ኣላ። እዚ ንምትግባር እቲ ሕጊ ይጽናዕ ምህላዉ ድማ ተገሊጹ። ሓላፊት ጒዳያት ቆልዑ ኤልሳቤጥ ዳሕሊን ኣብቲ ውዕል ዘሎ መሰል ህጻናት፣ ወለዲ ስእሊ ደቆም ኣብ ዩትዩብ ኢንስታግራም ፌይቡክን ካልእን ካብ ምልጣፍ ኣይከልከሎም ዘሎ ኢላ።፡ እዚ እገባብ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል ኣብ ዝብል ዛጊት ዝተባህለ ንገር ከምዘየለ እያ ትሕብር።