ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትቡ ሰባት፡ ናብ ብሪጣንያ ኣብ ምምላሶም ውሸባ ክኣትዉ ዘየገድድ ጒዕዞ ናብ ፈረንሳ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ካብ ሰዓት 4 ኣትሒዙ ድሕሪ ዝተቐየረ ሕጊ ጒዕዞ ብሪጣንያ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ምቕያር ሕጊ ካብ ዝእወጅ ንደሓር፡ ንጒዕዞ ዝሓዝኡ ሰባት ቊጽሮም ብናህሪ ምውሳኹ ብሪታኒ ፌሪስ ኣመልኪቱ። እንተኾነ ግና፡ ወኪላት ጒዕዞ እዚ ምልሕላሕ ሕጊ ውሸባ ደንጒዩ ብምምጽኡ ቅሬታኦም ገሊጾም ኣለዉ።
እዚ እናኾነ፡ ኣብ መክሲኮ ዝርከቡ ተጓዓዝቲ ናይ ሆቴል ውሸባ ንኸይግበረሎም ተቐላጢፎም ይምለሱ ኣለዉ። ብመሰረት ሓድሽ ለውጢታት መብራህቲ ትራፊክ ን ደርዘን ዝኾና ሃገራት እዚ ሕጊ ክዘልቕ ከም እተገብረ ቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ። ፈረንሳ፡ ካብቲ ተዋሂብዋ ዝነበረ ኣምበር ፕላስ ዝብል ምልክት ብምውጽኣ ናብ ፈረንሳ ዝጐዓዙ ክቱባት ሰባት ናብ ብሪጣንያ ኣብ ምምላሶም ውሸባ ኣይክግበረሎምን እዩ። ዘይተኸትቡ ግና ኣብ ሆቴል ን ዓሰርተ መዓልታት ውሸባ ክግበረሎም እዩ።