ካብ ዩክረይን ካብ ሞንጎ ዝተሰደቱ ክልተ ሚልየን ሰባት እቶም 800 ሽሕ ህፃናት ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ምድሓን ህፃናት – ሴቭ ዘ ችልድረን፡ ብዙሓት ህፃናት ብዘይ ሓጋዚ ስድራ ንበይኖም ይሃድሙ ከምዘለዉ ኣጠንቂቑ።
ሰራሕተኛ እቲ ትካል ኢሪና ሳጎያን፡ “ወለዲ ደቆም ንምድሓን ብጣዕሚ ተስፋ ዘቕብፅን ልቢ ዝሰብሩን ስጉምትታት ይወስዱ ኣለዉ። ንደቆም፡ ምስ ጎረባብቶምን መሓዙቶምን ካብ ዩክረይን ወፃኢ ውሑስ ናብ ዝኾኑ ከባብታት ይልእኽዎም ኣለዉ። ንሶም ድማ ገዝኦም ንምሕላው ኣብ ዩክረይን ይተርፉ” ኢላ።
ካብ ዩክረይን ንብሕቱ ተበጊሱ ናብ ስሎቫኪያ ዝበፅሐ ወዲ 11 ዓመት ሰገን ቀልቢ ብዙሓት ስሒቡ ነይሩ።
እዚ ሓሰን ዝተብሃለ ሰገን፡ ወላዲቱ ንኣዴኣ ገዲፋ ክትሃድም ብዘይምኽኣላ፡ ንበይኑ ካብ ዩክረይን ክወጽእ ተገዲዱ።
ሓሰን፡ ክልተ ኣናእሽተይ ሻንጣታትን ፓስፖርትን ሒዙ፡ ናይ ኣዝማዱ ቁፅሪ ስልኪ ኣብ ኢዱ ብምፅሓፍ’ዩ፡ 1200 ኪሎሜትር ኣቋሪፁ ናብ ስሎቫኪያ በፂሑ።
ካብቲ ኵናት ህይወቶም ንምድሓን ካብ ዩክረይን ካብ ዝወፅኡ ልዕሊ ፍርቂ ስደተኛታት፡ ናብ ፖላንድ፣ ሃንጋሪን ስሎቫኪያን ይኸዱ።