ብመሰረር ማእከል ስታቲስዪክስ ሽወደን ዝፈነዎ ጸብጻብ መጠን ግብሪ ምምሕዳራት ሽወደን በብዓመቱ ብ 90 ክሮና ማለት 32.19 ሚእትዊት ክውስኽ ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ጠቕላላ ምምሕዳራዊ ግብሪ ክልተ ክፍላት ዘጠቓልል ኮይኑ ናይ ምምሕዳር ከተማታት ከምኡ’ውን ዞባታት ተባሂሉ ከም ዝምቀል እውን ይፍለጥ።
ብማእከላይ ገምጋም ምምሕዳራዊ ቀረጽ ብ 2 ግዜ ናይ ዞባታት ከኣ ብ 9 ኬጅስ ዝውስኽ ምዃኑ’ውን ተመልኪቱ’ሎ። በዚ መሰረት እዚ ሓድሽ ወስክ ግብሪ ኣብ Ödeshögs ዝህሉ መጠን ወሰኽ ቀረጽ 1.85 ሚእትዊት ክኸውን እንከሎ ኣብ Hammarö, Ydre, Danderyd, vtvidaberg, Mönsterås and Mörbylånga ናይ 1.29 ክኸውን እዩ። ኣብ Dorotea ኸኣ 35.15 እዩ ተባሂሉ’ሎ።